ሕክምና ስኒ
ኣብ መላእ ሚዙሪ ኣብ ዝርከባ ክሊኒካት፣ ምሳኻን ምስ ስድራ ቤትካን እናዓበየ ዝኸይድ ክንክን ስኒ። Medicaid እውን ንቕበል ኢና።
ክሪስተን ቢልዩ ኣብ ጨንፈር Hollister ናይ Jordan Valley Health ከም ሞያዊት ጽሬት ስኒን ኣካያዲት ክሊኒክን(?) ትሰርሕ። ንኻልኦት ንምግልጋልን ኣብ ማሕበረሰባ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምምጻእን ዘለዋ ልባዊ ድሌት ይድርኻ። ክሪስተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቆጸራ ሕውነት፣ ተወፋይነትን ንተሓካሚ ቀዳምነት ዝህብ ኣተሓሳስባን ተርኢ።
ክሪስተን ተሓከምታ ምቾትን ክንክንን ከም ዝረኽቡ ንምርግጋጽ፣ ካብቲ ዝጽበይዋ ንላዕሊ ብምግባራ ትፍለጥ። ነባሪ ዝምድናታት ብምህናጽ፣ ንነፍሲ ወከፍ ተሓካሚ ኣብ መስርሕ ክንክን ስኒ ብምምራሕን፣ ጥዑይ ፍሽኽታ ንምርካብ ኣብ ዝጽዕሩሉ እዋን ኣብ ምሉእ ዓመት ብምክትታሎምን ትኾርዕ። ከምቲ ንሳ እትብሎ፣ "ንተሓከምታ ካብ መጠን ንላዕሊ ተቀማጥሎም” ተባሂላ ትፈልጥ እያ። እዚ ድማ ነቲ ብቐጻሊ እትህቦ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምጥንን ርህራሄ ዝመልኦን ኣቓልቦ ዘንጸባርቕ እዩ።
ካብ ክሊኒክ ወጻኢ፣ ክሪስተን ኣብ ካውንቲ ተይኒ ንዘሎ ናይ ከባቢኣ ማሕበረሰብ ብዓሚቝ ተወፋይነት ተገልግል። መብዛሕትኡ ጸዓታ ድማ ኣብቲ ከባቢ ንዘለዉ ሰባት፣ ስድራቤታትን ትካላት ንግድን ኣብ ምድጋፍ ተውዕሎ።
ኣብ መላእ ሚዙሪ ኣብ ዝርከባ ክሊኒካት፣ ምሳኻን ምስ ስድራ ቤትካን እናዓበየ ዝኸይድ ክንክን ስኒ። Medicaid እውን ንቕበል ኢና።

ብዘይ ቆጸራ ሕክምና ስኒ ሕክምና ስድራ ቤት ሕክምና ጸገም ኣጠቓቕማ ወልፊ ዘትሕዙ ንጥረ ነገራት
ሰኑ–ዓር: 7 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ. ቀዳ–ሰን: ዕጹው
ናባና ብምድዋል ወይ ብMyChart ቆጸራ ብምሕታት ምስ ክሪስተን ቢልዩ ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ።